ጮምዓ ዩኔን ዕቋርን ልቓሕን

ዕቋር ጮምዓ ንዘላቂ ኢንቨስትመንት!!

Get Started

ሓ/ዝተ/ዕ/ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበር ዩንየን ጮምዓ

ሓ/ዝተ/ዕ/ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበር ዩንየን ጮምዓ መጋቢት 23/2009 ዓ/ም ብ60 መሰረታዊ ሕ/ስ/ማሕበራትን መበገሲ ካፒታል 2,514,867.7 ብር ሒዛ ብደረጃ ከተማ መቐለ ዝርከባ 7ተ ክ/ከተማታት ማእኸል ገይራ ዝተጣየሸት ዩንየን እያ። ሐዚ ኣብ ሕዳር 30/2016 ዓ/ም 97 ኣባል ማሕበራትን 87,066,779.59 ብር ሃፍቲ በፂሓ ኣላ። ኣብ እዘን 97 ማሕበራት ብድምር 120,293 ውልቀ ኣባላትን 1.73 ቢልዮን ሃፍትን ዝወነና እየን።

ብቀፃልነት ናይ ኣባልነት መመልመሊ ረቛሒ ንዘማልኣ ማሕበራት ኣባል ብምግባርን ባህሊ ዕቋር ኣባላት ብምዕባይን ኣብዚ ዓመት 4 ሚልዮን ዝዋግኦም ዕፃታት ብምሻጥ

  • 20,000,000 ብር መደበኛ ዕቋር፣
  • 800,000 ብር መሕለውታ ዕቋር ፣
  • ልዕሊ 80 ሚልዮን ልቃሕ ብምሃብን ብምምችቻው፣
  • ን290 ኣመራርሓ ስልጠናን ተመክሮልውውጥን ክረክቡ፣

ጮምዓ ዩኔን ናይ ባዕላ ህንፃ ንምውናን ዲዛይንን ፕሮፓዛልን ሰሪሕና ምስ ዝምልከቶ ኣብ ምዝርራብ ንርከብ፡፡ ምስ ዘመኑ ዝዝምኑ ኣሰራርሓታት ናይ ፋይናንስን ሶፍት ዌራትን ብምትእትታው ኣብ ስራሕ ፈጠራን ምርግጋዕ ዕዳጋ ሰፊሕ ስራሕ ክትሰርሕ ዓብይ ዕማም ሒዝና እናሰራሕና ንርከብ

ንኣባልነት ዘብቅዑ ረቋሓታት

ብመሰረትኣዋጅ 985/2009 ሕጋዊ ስውነት ዝረኸበትን ኣብ ስራሕ ዘላን ዝኾነት ዓይነት ሕ/ስ/ማሕበር
ሞዴል ንምኳን እትሰርሕ ሕ/ስ/ማሕበር
ኣብ ስራሕ ክልልና እትርከብ ሕ/ስ/ማ
እንተነኣሰ ዓሰርተ ዕፃ/ 50,000 ብር / ዝዋግኦም ዕፃታትን መመዝገቢ ድማ 5000ብር ብሓደ ግዜ ክትከፍል እትክእል ሕ/ሰ/ማሕበር
በቢ ወርሑ ተኸታታሊ ወርሓዊ ዕቋር ብእዋኑ ክትዓቁር እትክእል (ወርሓዊ ዕቃር ማለት በቢወርሑ ካብ ኣባላታ እትረክቦ ናይ ዕፃ ሽይጣት ኣታዊ ኮይኑ ንዕ/ልቃሕን ማሕበራት ጥራሕ እዩ) ። ካልኦት ዓይነት ማሕበራት ድማ ብዓመት ዕፃን ዕቋርን የመዛዝና።
ዕቋርን ልቋሕን ሕ/ስ/ማሕበር እንተኾይና ናይ ልቃሕ ሂወት ኢንሹራንስ ንምትእትታው ፍቃደኛ ዝኾነት፣
ዘለዋ መሐለውታ ኣብ ዩንየን ክተቅምጥ እትክእል ንስሉጥ ግብረ መልሲ ዩንየን ዝሕግዝ ወርሓዊ ናይ ማሕበር ናይ ሰራሕ ሪፖርት ብፍላይ ድማ ፋይናንሻል ሪፖርት እትልእክ፣ብናይ ዩንየን መተሓዳደሪ ደንቢ ፣ ስሪትን መምርሕታትን መሰረት እትፍፅም፡፡

ልኡክቶ

ናይ መበኻናይነት ኣተሓሳስባ ብምውጋድ ናይ ምዕቋር ባህሊ ኣባላት ብምዕባይ ናይ ፋይናንስ ሙእኩልነት ክህሉን ብዓቅሚ መሰረታዊ ማሕበራትን ኣባላቶምን ዘይተፈትሑ ናይ ልቃሕ ኮነ ካልኦት ፀገማት ብምፍታሕ ኣብ ሞንጎ ኣባላትን ማሕበራትን ጥንኩር ምትእስሳር ፋይናንስ ብምፍጣር ዘላቂ ኢንቨስትመንት ኣባላት ምርግጋፅ።

ራእይ

ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማቱ ብጠንካራ ባህሊ ዕቋርን ፈጠራ ስራሕን ዝፈተሐ፣ ምእኹል ስርዓት ፋይናንስ ዘለዎ ማ/ሰብ ብምፍጣር ኣብ ሃገር ብልፅቲ ዩኔን ኣብ 2025 ዓ. ም ተፈጢሩ ምርኣይ ፡፡

ኣጠቓላሊ ዕላማ

ንኣባላት ስሉጥ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምሃብ ጠንካራ ባህሊ ዕቋርን ፈጠራ ስራሕን ዝወነነ፣ ካብ ድክነትን ስራሕ ስእነትን ዝተናገፈ ምዕቡል ኩለመዳያዊ ስብእና ዘለዎን ማ/ኢኮኖማያዊ ፀገማቱ ብናይ ባዕሉ ኢኮኖምያዊ ውዳበ ብዘላቅነት ዝፈትሐ ኣባል መሰረታዊ ማሕበራትብምውናን ዝተረጋገዐናይ ፋይናንስ ስርዓት ዕደጋ ብምዝርጋሕ ኣባላት ልቃሕ ረኪቦም ኣብ ስራሕ ፈጠራን ኢንቨስትመንትን ብምስታፍተከታታሊምዕባለ ከመዝግቡ ምግባር እዩ።

ተግባራት ዩንየን

መደበኛ (ወርሓዊ) ዕቋርን ዕፃን ምእካብ
መሐለውታንድሌት ዕቋርን ምእካብ
ናይ ዕቋርን ልቓሕን ግልጋሎት ምሃብ
ናይ ሂወት ኢንሹራንስ ስራሕቲ ምትግባር
ንኣባላት ቀረብ ሕትመትን መዛግብትን ምቅራብ
ተዘዋዋሪ ልቃሕ ምሕደራን ግልጋሎትን ምሃብ
ናይ ሞያን ሕጊን ምክሪ ምሃብ
ናይ ምክርን ድጋፍን ግልጋሎት ንኣባላት ምሃብ
ክፍተት መሰረት ዝገበረ ስልጠና ምሃብ
መድረክ ተመክሮን ምርምርን ክግበሩን ምስራሕ
ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ምክያድ
ካልኦት ምስ ዩንየን ዓላማን ልእኹን ዝጠዓዓሙ ስራሕቲ ምስራሕ

ጮምዓ ዩኔን ዕቋርን ልቓሕን

ዕቋር ጮምዓ ንዘላቂ ኢንቨስትመንት!!

ይርከቡና

ክሳብ 30 ሕዳር 2016 ዓ/ም ልቃሕ ምሃብ ምምላስን ዝምልከት

ኣባል ማሕበራት ኣብ ጮምዓ ዩኔን ካብ ዝዓቆረኦ ገንዘብ ካብ 5-7 ዕፅፊ ልቃሕ ናይ ምርካብ መሰል እንትህልወን ዕድመ ልቃሕ 1-5 ዓመት ዝምለስ ብ10% ዓመታዊ ወለድ ብተቀናናሲ ዝሕሰብ ብቅልል ዝበለ መንገዲ ዝወሃብ እዩ። ብደረጃ ዩኔን ክሳብ 30 ሕዳር 2016 ዓ/ም ዝተውሃበ ልቃሕ 178,567,728 ብር እንትከውን ክሳብ ሐዚ ተጠቃምነት ልቓሕ ኣባላት እንርትአ ንመስርሒ ገዛ ተለቃሕቲ 123,946,000 ብር ን 3,978 ተጠቀምቲ ካብዚ 63% መናእሰይ እዮም ንደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ተለቃሕቲ ብር 23,071,608 ን7,628 ተጠቀምቲ 90% መናእሰይ ንንግዲ ስራሕቲ ብር 25,926,736 ንተጠቀምቲ 11,739 ኣባላት ንካልኦት 5,623,384 ብር 108 ተጠቀምቲ ብድምር ን 23,453 ኣባላት ካብ ዩኔን ዝተወሰደ ልቓሕ ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም ::ልዕሊ 83% ተጠቀምቲ ልቓሕ ድማ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እዮም:: ብድምር እንትረኤ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ናይ ልቃሕ ምሃብን ምምላስ ኩነታት ኣፈፃፅማ ስራሕ ቅድሚ ኪናት ምስ ዝሓዝናዮ ትልሚ እንትነፃፀር ልዕሊ 100% ፍፃመ ከም ዝነበሮ ድሕሪ ኪናት ውን ፅቡቕ ዝበሃለ ናይ ልቃሕ ምምላስ ምንቅስቓስ ኣሎ ።

ትርፊ መቀሎን ወለድ ክፍሊትን

ዩኔና ክሳብ 30/10/2015 ዓ/ም 5 ግዜ ብናይ ደገን ናይ ክልል ላዕለወት ኦዲተራትን ምርመራ ተካይዱላ ኣብ ኩሎም ኣዕጋቢ ናይ ኦዲት ውፅኢት ከም ዘለዋ ተረጋጊፁ እዩ ።ገፅ…3 ኣባል ማሕበራት ኣብ ዩኔን ብመልክዕ ዕቋር ንዘቅመጠኦ ዝኮነ ይኩን ዕቋር በቢወርሑ ብ7% ወለድ እናተሓሰበ በቢ6ተ ወርሑ ድማ ናብ ዋና እናተደመረ ወለድ ዝሕሰበሉ ምኳኑ ካብዚ ብዓመት ልዕሊ 3,326,019.8 ብር ንኣባላት እናተከፈለ እዩ፡፡ ካብ ዕቋር ወለድ ብዓመት ዝተከፈለን ማሕበራት ንሓንቲ ኣባልና ጥራሕ ዝበፀሓ ዝለዓለ ወለድ 910,596.58 ብር እዩ። ስለዙይ ተጠቃምነት ማሕበራት ከም ተሳትፎኤን ብዘለወን ዕፃን ዕቋርን ይከፋፈላ ማለት እዩ ። ተሳትፎ ዩኔና ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነት ድጋፍ ብድምር 71,500 ብር ተዋሂቡ እዩ። ስሩዕ ስልጠና በቢዓመቱ ንኣመራርሓን ቁፃር ሰራሕተኛታትን ተዋሂቡ እዩ።

ኣብ ዩኔን ኮነ ኣባላትና ዘለው ፀገማት

120,293 ህዝቢ ከተማ መቐለ ዝሓቆፋ 97 ኣባላትና መስርሒ ቦታ መሬት የብለንን ። ዩኔን ሐዚ ብዓመት ልዕሊ 420,000 ብር ንክራይ ወፃኢ ትገብር ኣላ ግን ምስ ኣባላታ ብምትሕብባር ክሳብ 5000ሜ/ካሬ መሬት ብናይ ዓለም ለከ ፋይናንስ ትካላት ስታንዳርድ ዝሓለወ ህንፃ ናይ ምልማዕ ዓቅምን ድሌትን ኣለዋ። ኣብ ከተማ መቐለ ንዕቋርን ልቃሕን ሸማቶን ልቃሕ ዝህብ መንግስታዊ ኮነ ውልቀ ትካል የለን። ናይ ከተማ ሕ/ስ/ማሕበራት ብፍላይ ዕቋርን ልቃሕን ዓቅሚ መንግስቲ ኣመራርሓን ሚድያን ዘይዓረፈን እየን። ናይ ዳግመ ሕውየት ድጋፍ ይንእስ እዩ ፀገም ዝፈትሕ ድጋፍ ሰብ ሞያ ይንእስ እዩ።

ምስልታት ጉባኤ

ባንኪ ወጋገን

0772991330301

ኢ/ያ ንግዲ ባንኪ

1000207590944

ባንኪ አንበሳ

00310418295-15

ደደቢት ማይከሮ ማይናንስ

1004962598

ባንኪ ዳሽን

5013032445011

ባንኪ ኦሮምያ

1014800013188

ኣድራሻ

ዩንየን ጮምዓ ኣድራሻ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ጣብያ ሰላም 11 ቀበሌ ኣብ ጎኒ ባንኪ ወጋገን ኢንኮዶ ቅርንጫር ኮይኑ ንስራሕቲ ዩንየን ሓበሬታ ንምርካብ ዝስዕብ ስልኪ ቑፅሪ ይጠቀሙ

ኣድራሻ:

ኣድራሻ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ጣብያ ሰላም 11 ቀበሌ ኣብ ጎኒ ባንኪ ወጋገን ኢንኮዶ ቅርንጫፍ

Email:

info@gmail.com

ይርከቡና:

ናይ ቢሮ ቁፅሪ ስልኪ +251 342418608

ናይ ኣቦ ወንበር ሞባይል ቁ+251 948469074

ናይ ም/ኣቦ መንበር ሞባይል +251 914741867